Friday, April 20, 2012

#Eritrea: መላኺ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ኣኼባ ረጊጹ ወጺኡ!!


ኢሳይያስ ኣፈወርቂ



መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሚያዝያ 2012  ኣብ ኣስመራ
ንወታሃደራውን ስለያውን መጋበርያታቱ ንህሉው ወታሃደራዊ ኩነታቱን ኩነተ-ዶብን
ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ዓቕሊ ጽበታዊ ርክብ፡ ብዘይካ’ቲ ካብቶም ኣሰሰይቱ ዝቐረበሉ
ክምልሶም ዘይካኣለ ሕቶታት ‘’ዓቕሚ ምክልኻል ዶብናን ኩነታት ካድረታትናን ከመይ
ይመስል’’  ክብል ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ ካብ ኣሰሰይቱ’’ ተስፋ ዘቕርጽን ካድረታት
ከምዘየለዉን ናብ ስደት ከምዘምሩሑን ዓቕሚ ከምዘየለን ኣብ ዝመለስሉ ግዜ ብሚሒር
ኣንጸርጽሮትን ተስፋ ምቕራጽን ነቲ ባዕሉ ዝጸወዖ ኣኼባ ረጊጽዎ ከምዝወጸ ምንጭታት
ግንባር ሃገራዊ  ድሕነት ኤርትራ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ።
እዚ ብሚሒር ዓቕሊ ጽበትን ራዕደ-ውድቀትን ዝተኸበበ መላኺ’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜ ናይ
ኲናትን ወረ ኲናትን መናፍሓት እንዳወቕዐ ኣበየ ከባቢ ሃገር ህዝቢ ብምእካብ   ንኲናት
ድልዉ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ ዝሰብከሉ ዝነበረ እዋን ብዘይተስፋ ካባ ሕፍረት ተኸዲኑ
ከምዘሎን ብሰንኪ እዚ’ውን ኣብ ከቢድ ወጥርን ራዕድን ከምዝተሸመመን ምንጭታትና
ብተወሳኺ ይሕብሩ። ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ጻሕታሪ ፖሊስኡ ኣብ ከባብያውን ኣህጉራውን
ተነጽሎ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ንላዕለዎት    ሰበ-ስልጣናቱ ብተደጋጋሚ ክእክብን ቃና ኲናት
ክነፍሑ ክእዝዝን’ኳ እንተ ፈተነ ክኾነሉ ከምዘይካኣለን ዝኣመኖም ሰበ-ስልጣናቱ ገገዲፎሞ
ክኸዱን ንትእዛዛቱ ክሕሰሙን ብተደጋጋሚ ይርአ’ሎ ።


ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
19 ሚያዝያ 2012

2 comments:

  1. bet'u zeygatata zinebrula Eritrea fiteru ajekum

    ReplyDelete
  2. መረፃ እንሪአላ ዘይጋታታ አስተራሕዮም ዝቅመጡላ ኤርትራ ናይምፍጣር ሓላፍነትኩም ተዋፅኡ !ኢሳያስ ናይ ቃዛፊ አዓርኩ መንገዲ እዩድክተል ደሎ ወዱ ሓይሊአየር ሓላፊ ገይሩ ድሕሪ ምሻሙ እንታይ ትዕበዩ አለኩም ?አሕዋት

    ReplyDelete